ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቲǤ - Alemseged Tesfay
ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ - ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣይንፈላለ፡ ኤርትራ 1941-1950 ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብሰነ 2001 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ተሓቲሙ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ኢዩ። ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቓልሲ፡ ማለት ኣብ 1987-1988፡ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራን፡ መድርኽ ፈደረሽንን ጐበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያን ዝብላ ጽሑፋት ኣሕቲሙ ነይሩ። ሽዑ ዝነበረ ሕጽረት ሓበሬታን ውሱንነት ዓቕምን እተን ጽሑፋት ተማሊአን ንኽቐርባ ኣየኽኣለን። ኣይንፈላለን እዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍ ብዛዕባ ቐዳማይ ክፋል መድርኽ ፈደረሽንን፡ ነቲ ናይ'ቲ እዋን ሕጽረታት ኣማሊኡ ከቕርብ ፈቲኑ ኣሎ። ኣብ መእተዊ ናይ ኣይንፈላለ ብሰፊሑ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ሰነዳት ናይቶም በብጊዜኡ ዝገዝኡዋ ወገናትን ካልኦት ናይ ደገ ተዓዘብትን ጥራይ ክግለጽ ዘይክኣል'ዩ። ታሪኽ ኤርትራ ብኤርትራውያን ዝስራሕ ክነሱ ግን፡ ማዕረ'ቲ ናይ ገዛእቲ ሰነዳት ክሰርዖ ብዝኽእል ኣገባብ ከይተሰነደ ስለ ዝጸንሐ፡ ብዛዕብኡ ክጽሕፍ ዝብገስ ሰብ ብዙሕ ከም ዝጻገም ክፍለጥ ይግባእ። ካብኡ ናብኡ፡ እቲ ኣብ ኣይንፈላለ ሰፊሩ ዘሎ ናይ 1940'ታት ታሪኽ'ኳ ይሓይሽን ገለ ምንጭታት ይርከበሉን እምበር፡ እቲ ናይ እዋን ፈደረሽን ፍጻመታት ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ሰነዳት ስለ ዘጥፍአን ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዘግዓዘን፡ ብሓበሬታ ዝደኸየ ኢዩ።